ጕጅለታት ስደተኛታት ኣንስትን ኣዋልድን ስደተኛታትን ልዕሊ 17 ዝዕድሚአን ኣንስትን ኣዋልድን ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለወን ኣዴታት እውን ኣብ ጕጅለ ደቂ ኣንስትዮና ንኽካፈላ ተዓዲሞም ኣለዉ ።


መዓስ ፦ ረቡዕ ካብ ሰዓት 4 - 7 ምሸት

ጀርመንኛ ምእንቲ ኽንመሃር ብሓባር ወይ ጸወታታት ሰሌዳ ኽንጻወት ንኽእል ኢና። ካብ ዓድና ወይ ካብ ካልእ ቦታታት እተጠብሰ ምግቢ ሒዘን ከም ዚመጻ ኽንገብር ንኽእል ኢና ። ጀርመንኛ ኽንዛረብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና ። ዕዮ ገዛ ንምዕያይ ተሓጒስና ኽንሕግዘካ ኢና ። ምዉቕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ኣብታ ኸተማ ዙረት ዙረት ወይ ካልእ ዘሐጕስ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና። ከከም እቲ እትደልዮን እትፈትዎን ነገራት መሃዝቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና ።

ብዛዕባ እተፈላለየ ጸገማት ክንመያየጥ ምስ ሰበ-ስልጣንን ኣብያተ-ጽሕፈትን ምስ ሓያሎ ኻልእ ጸገማትን ከኣ ክንድግፍ ንኽእል ኢና። ናብ ጕጅለ ደቂ ኣንስትዮና ኽትመጹ ኸለኹም ብዝርዝር ክንገልጸልኩም እንኽእል ምኽርን ምትሕብባርን ሓገዝን እውን ንህበኩም ኢና ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ኣመልኪትና ኽንሕግዘካን ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽትሓድረካ ኸም እትኽእል ክንገልጸልካን ሕጉሳት ኢና።

ኣብዛ ጕጅለ እዚኣ መዘናግዕን ደገፍን ክንረክብ ንደሊ ኢና ። ኵለን ኣንስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኬቕርባ ይኽእላ እየን ንሕና ድማ ንዅሉ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ኽንመርጽን ክንውስን ኢና።

ንዅሉ እቲ ኣብ ጕጅለ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ነገራት ብምስጢርን ብምትእምማንን ኢና እንሕዞ።

Telefon: +49 (0)611 / 97 14 21 99

Mobil: +49 160 5729954

Adresse:

WisaWi e.V.

Blücherstraße 46
65195 Wiesbaden

Haus ist hinten im Hof